ኣብ ኒው ኦርሊንስ ኣብ መዓልቲ ሓድሽ ዓመት ፡ ሓንቲ ናይ ጽዕነት ማኪና ዘዊሩ ናብ ዝተኣከበ ህዝቢ ብ ናይ ጽዕነት ማኪና ፡ 15 ሰባት ቀቲሉ ፡ ንብዙሓት ሰባት እውን ዘቚሰለ ፡ "በቶም ንርእሶም ዝእውጁ እስላማዊ መንግስቲ (ISIS) እተደረኸን" ንምቕታል ድሌት ዝነበሮን "እዩ ነይሩ ፣ ክብል ፕረዚደንት ጆ ባይደን ገሊጹ ።
ፈደራላዊ ቤት ጽሕፈት መርመራ (ኤፍ.ቢ.ኣይ) ነቲ ብ ፖሊስ ተተኲሱሉ ዝሞተ ኣጥቃዓይ ፡ ወዲ 42 ዓመት ሻምሱድ-ዲን ጃባር ዝስሙ ካብ ቴክሳስ ዝመጸ ፡ ኣብ ሰራዊት ኣመሪካ ክኢላ ኣይቲ ኰይኑ ዘገልገለ ፡ ኣብ ህዩስተን ድማ ወኪል ምሻጥ ገዛውቲ ኰይኑ ዝዓየየ ኣመሪካዊ ዜጋ ከም ዝዀነ ሓበረ ።
ኣቐዲሙ ፡ ፖሊስ ኒው ኦርሊንስ ንጃባር ፡ "ግብረ-ሽበራዊ" ኢሉ ገሊጽዎ ነይሩ እዩ ፣ ኤፍ.ቢ.ኣይ. ድማ ፡ ኣብ ማኪናኡ ባንዴራ ጉጅለ ኣይኤስ ከም እተረኽበ ገሊጹ ። እቶም ሰበ-ስልጣን ወሲኾም ፡ ሰብ- ምህዳን ይካየድ ከም ዘሎን ነዚ ቅትለት "ጃባር ጥራይ ተሓታቲት ከም ዝዀነ ከም ዘይኣምኑን" ገለጹ ።
እቲ ኣብ ላስ ቬጋስ ናይ ተስላ ሲበርትረግ ዝተፈጸመ ነታጕ እንተ ወሓደ ሓደ ሰብ ቀቲሉ ሸውዓተ ሰባት ዘቝሰለን እቲ ኣብ ኒው ኦርሊያንስን ዝተፈጸመን ርክብ እንተ ኣልይዎ ፡ ኣኽበርቲ ሕጊ ይምርምርዎ ኣለዉ ።
ምስልታት ቪድዮ ከምዝሕብርዎ ኣብ ላስ ቬጋስ ናይ ኤለክትሪክ መኪና ኣብ ጥቓቲ ብ ኸፊል ብምሩጽ ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ ዝውነን ሆቴል ፡ ናብ ሃልሃልታ ቅድሚ ምቕያራ ፡ ካብቲ ቦታ ወጻኢ ደው ከምዝበለት የመልክት ።
ፕረሲደአንት ባይደን "ኣኽበርቲ ሕጊን ናይ ምርመራ ማሕበረሰብ ነዚ ይምርምሩ ኣለዉ ፡ እዚ ምስ' ቲ ኣብ ኒው ኦርሊየንስ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ምትእስሳር ክህልዎ ይኽእል 'ዶ ኣይኽእልን" ዝብል ፡ ነቲ ፍጻሜታት ዘራኽብ መርትዖ ዛጊት የለን ።
ብረቡዕ ፡ ኤፍ.ቢ.ኣይ. ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ ፡ ጃባር "ምስ ግብረ-ሽበራውያን ውድባት ምትእስሳር ተኽእሎ እንተ ኣልይዎ" ንምፍላጥ እውን ይሰርሕ ከም ዘሎ ገሊጹ ነይሩ ።
ባይደን ፡ እቲ ጃባር ዝገበሮ መጥቃዕቲ ቅድሚ ሒደት ሰዓታት ፡ "ብጕጅለ IS" ከም እተደረኸ ዝሕብር ቪድዮታት ብኢንተርነት ከም ዝተዘርግሐ ገለጸ ።
Credit: SBS News
ኣብ ባይታ እናደኸመ እኳ እንተ ከደ ፡ ተደናገጽቲ ብ ኦንላይን ካብ ምምልማል ዓዲ ኣይወዓለን ክብሉ ኪኢላታት ይገልጹ።
መሰኻኽር ነቲ ፍጻመ ኣሰቃቒ ምዃኑ ይገልጹ።
ኣብ መጀመርታ ሰዓታት ናይ "ዚ ዓመት ቀዳመይቲ መዓልቲ፡ ኣብ ኒው ኦርሊየንስ ፍረንች ኳርተር ተባሂሉ ዝፍለጥ፡ ኣብያተ መግቢ ፡ ታሪኽ ጃዝ ከምኡ" ውን ናይ ማርዲ ግራስ ፓርትታት ሰባት ነቲ መዓልቲ ይጽምብሉ ነበሩ ።
ሰብ ሓዳር ንCBS News ኣብ ዝሃቡዎ ሓበሬታ ፡ ኣብቲ ጐደናታት ዝመጽእ ብርቱዕ ደሃይ ድሕሪ ምስምዖም ፡ ሓንቲ ጻዕዳ ናይ ጽዕነት ማኪና "ብፍጥነት" ክትሓልፍ ረኣዩ ።
ጂሚ ኮትራን ዝስሙ ካልእ ምስክር ከኣ ንABC ፡ "ጽላለ" ክብል ገሊጺሉ ።
Witnesses say a white pickup truck slammed through a barricade at high speed and hit pedestrians. Source: AP / Gerald Herbert