ሙቐት ክብርትዕ እንከሎ ንድኻን ሃብታምን ብማዕረ ዘይጸልወሉ ምኽንያት እንታይ'ዩ፧

climate inequality v2.jpg

On Sydney's east coast, locals benefit from the sea breeze, while temperatures soar in the west. Credit: Brook Mitchell / Getty Images

ኣውስትራልያውያን ኣብ'ዚ እዋን ኣብ ማእከል ሓደ ካብ'ቶም ኣብ መዝገብ ዝወዓዩ ወቕትታት ክረምቲ (ሳመር) እዮም ዘለዉ። ክኢላታት ድማ ናይ ሙቐት ዘይማዕርነት (heat inequality) ነቲ ኣብ ሕብረተሰብ ዘሎ ምክፍፋል መሊሱ የጋድዶ'ሎ ይብሉ።


ኣብ ፐንሪዝ፡ ምዕራብ ከተማ ሲድኒ፡ ነበርቲ እዚ ልዑል ሙቐት ናይ'ዚ እዋን ኣዝዩ ተፈሊጡና ክብሉ ንSBS Examines ሓቢሮም።
በብዓመቱ እናወዓየ ምኻዱ ይቕጽል ኣሎ፡ ኣብ ጥቓ ገጽ ጸሓይ ዘለኹ ኮይኑ ይስመዓኒ'ሎ።
ኣብ ሓደ መዓልቲ፡ ኣብ ካልእ ክፋል ናይ'ታ ከተማ፡ እቲ ሙቐት ብ10 ዲግሪ ዝሕል ዝበለ ኔሩ።
ሚልዮናት ሰባት፡ ኣብ'ታ ሓንቲ ካብ'ቶም ዝለዓለ ብዙሕነት ማሕበረሰባት ዘለዎም ከባቢታት ዝኾነት፡ ምዕራብ ከተማ ሲድኒ ይነብሩ።

እቲ ከባቢ፡ ክኢላታት 'ደሴት ሙቐት ኣብ ውሽጢ ሓደ ከተማ' (urban heat island) ኢሎም ዝጽውዕዎ'ዩ።

ነቶም ኣዝዮም ተነቀፍቲ ሰባት ኣብ ማሕበረሰብና ድማ ኣብ ሓደጋ የእትዎም ዝብል ፍርሒ ኣለዎም።

እዚ ትሕዝቶ SBS Examines ሙቐት ከመይ ኢሉ ንማሕበረሰባትና ተመጣጣኒ ብዘይኮነ መጠኑ ይጸልዎም ዝፍትሽ'ዩ።

Share