Breaking

ን ኣመሪካ ንምድሓን 'ብ ኣምላኽ ተዓቂበ' : ዶናልድ ትራምፕ መበል 47 ፕረሲደንት ኣመሪካ ኮይኑ ምሒሉ።

ዶናል ትራምፕ ንተወሳኺ ኣርባዕተ ዓመታት ፕረሲደንት ኣመሪካ ኮይኑ ቃል ማሕላ ፈጺሙ።

A man wearing a suit holding his hand up

The bitter cold weather forced Trump's inauguration indoors for the first time since Ronald Reagan's in 1985. Source: EPA / Kevin Lamarque

ዶናልድ ትራምፕ ድሕሪ ክልተ ናይ ቅትለት ፈተነታትን ብቤት ፍርዲ ገበነኛ እኳ እንተኾነ ንኻልኣይ ግዜ ብፍሉይ ፖለቲካዊ ኮነታት ከም ፕረዚደንት ኰይኑ ቃለ ማሕላ ፈጺሙ።
"ወርቃዊ ዕድመ ኣመሪካ ሕጂ እዩ ዝጅምር ። ካብዛ መዓልቲ እዚኣ ንደሓር ሃገርና ክትስስንን ከም ብሓድሽ ኣብ መላእ ዓለም ክትክበርን እያ "በለ ።
ንኣመሪካ ካብቲ ከም ናይ ጥልመትን ምንቁልቋልን ዓመታት ገይሩ ዝጠቐሶ ነገራት ከም ዘድሕና ቃል ኣትዩ ኣሎ ፣ ዘይሕጋዊ ስደት ከም ዘብቅዕን ንገዛእ ርእሱ ብኣምላኽ ከም እተመርጸ ሃገራዊ መድሓኒ ገይሩ ኣቕሪብዋ ።
"ፈለማ: ኣብ ደቡባዊ ዶብና ሃገራዊ ህጹጽ ኵነታት ክእውጅ እየ" በለ ። "ኵሉ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ሰባት ብኡንብኡ ደው ክብል እዩ: ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ወጻእተኛታት ድማ ናብቲ ዝመጹሉ ቦታታት ንምምላስ መስርሕ ክንጅምር ኢና ።"
እቲ መደረ ፡ ነቲ ኣብ 2017 ንፈለማ ግዜ ኣብ እተመረቐሉ እዋን ዝበሎ፡ ብዛዕባ እቲ "ህልቂት ኣመሪካ" ኣብታ ሃገር ከም ዘጥፍእ ዝገለጾ ገበንን ስእነት ስራሕን ከምዘጥፍእ ዘቃልሕ ነይሩ ።
ወዲ 78 ዓመት ትራምፕ ፡ ነቲ ኣብ ካፕቶል ኣመሪካ፡ ኣብ ቅድሚ ሓላፊ ፍትሒ ጆን ሮበርትስ ንቅዋም ኣመሪካ ፡ "ኺዕቅቦን ኪከላኸለሉን" ቃለ-ማሕላ ፈጺሙ ኣሎ ። ምክትል ፕረዚደንት ኮይኑ ዘሎ ጀይ ዲ ቫንስ'ውን ቅድሚኡ ቃል ማሕላ ፈጺሙ እዩ ።
Trump Inauguration
While Trump refused to attend Biden's 2021 inauguration after falsely claiming electoral fraud by the Democrat, this time Biden has been keen to restore a sense of tradition. Source: AP / Kenny Holston

ናብ ዋይት ሃውስ ዝኣቱ ዘሎ ቀዳማይ ገበነኛ

ኣብ ኒው ዮርክ ኣብ ዝርከብ ቤት ፍርዲ ብኽሲ ንምትላል ቢዝነስ ን ኣመንዝራ ዝኸፈሎ ገንዘብ ዝገልጽ ሓበሬታታት ብምጭብርባር ገበነኛ ከምዝኾነ ድሕሪ ምፍራዱ እዩ ናይ ፈለማ ገበነኛ ፕረሲደንት ኮይኑ ናብ ዋይት ሃውስ ዝኸውን ዘሎ ።
ትራምፕ ፕረዚደንት ኰይኑ ኣብ ዝመሓለለን ናይ መጀመርታ ሰዓታት ፡ ብፍሉይ ስልጣኑ ተጠቒሙ ዉሳነታት ክፍርም መዲቡ ከም ዝነበረ ፡ ሰበ ስልጣን ቤተ መንግስቲ ዋይት ሃውስ ብሰኑይ ሓቢሮም እዮም ፣ ካብዚኣቶም እቶም 10 ኣብ ድሕንነት ዶብን ኢሚግሬሽንን ዘተኰሩ እዮም ።
እቲ ፕረዚደንት ህጹጽ ድንጋገ ንምእዋጅን ፡ ዕጡቓት ወተሃደራት ናብ ዶብ ክልእኽን ነቶም ሓተቲ ዑቕባ ኣብ ሜክሲኮ ኣብ ቤት-ፍርዲ ኣመሪካ ክጽበዩ ዘገድድ ፖሊሲ ክቕጽልን ምዃኑ ፡ ሰበ-ስልጣን ንጋዜጠኛታት ሓቢሮም ።
ብዘይካዚ ፡ ነቶም ካብ ሕጋዊ ፍቓድ ዘይብሎም ኣብ ኣመሪካ እተወልዱ ውሉዳት ፡ 'መሰል ወሊድ "ዝብሃል ዜግነት ክኣሊ ክፍትን እዩ ፣ ገሊኦም ምሁራት ሕጊ ፡'እዚ ዉሳነ "ቅዋማዊ ኣይኰነን" ኢሎም ይምጉቱ ።

'ብ ኣምላኽ ዝደሓንኩ'

እቲ ስነ-ስርዓት መመረቕታ ነቲ ኣብ 2020 ዝገበሮ ዉጺኢት ምርጫ ከፍርስ ኢሉ ድሕሪ ዝገበሮ ፈተነ: ክልተ ክስታት ብናይ ቅትለት ፈተነ: ከምኡውን ናይ ሕነ ምፍዳይ ፈተነ: ከምኡውን ብሓደ ክሲ ገበነኛ እኳ እንተኾነ እቲ ንፖለትካ ኣመሪካ ዝገለባብጥ ትራምፕ ብዓወት ኣብ ዋይት ሃውስ ሰተት ኢሉ ኣትዩ ኣሎ።
ትራምፕ ብዛዕባ እታ ኣብ ሓምለ እዝኑ ዝጨረመት ጥይት ቅድሚ ምጥቃሱ ፡ "እታ ሪፓብሊክና ንምምላስ ዝነበረ ጕዕዞ ቀሊል ኣይኰነን ። ንኣሜሪካ ዳግማይ ንኸዕብያ ብኣምላኽ ድሒነ እየ " ድማ በለ ።
"ብዙሓት ሰባት ከምዚ ዝኣመሰለ ታሪኻዊ ፖለቲካዊ ውጥረት ሰጊረ ኣብዚ ክበጽሕ ከም ዘይክእል ገይሮም እዮም ዝሓስቡ ነይሮም" ። "ሕጂ ኣብ ቅድሜኹም ደው ምባለይ ፡ ኣብ ኣመሪካ ክትገብሮ ዘይትኽእል ነገር ከም ዘየለ ዘርጋግጽ እዩ ። ነቲ ዘይከኣል ብዝበለጸ ክንገብሮ ከም እንኽእል ዘመልክት እዩ።"በለ ።
ትራምፕ ንርእሱ ገባር ሰላምን ኣቦ ሓድነትን ገይሩ ኽገልጻ እኳ እንተ ደለየ: ዘረባኡ ግና ናብ ሃደ ሰልፊ ዘተኩር እዩ ። ካልኦት ሃገራት ነቲ ኣብያተ-ማእሰርተን ጓሕጉሐን ንእሱራተን ናብ ኣመሪካ የእትዋ ከም ዘለዋ ብሓሶት ዝኸስስ ትራምፕ፡ ከምኡውን ብዛዕባ እቲ ዝፈጸሞ ገበናት ሓሶት ብተደጋጋሚ ይዛረብ።
እቲ ስነ-ስርዓት ምረቓ ብምኽንያት ቝሪ ኣብ ውሽጢ ካፒቶል እዩ ተፈጺሙ። እዚ ዝኸውን ዘሎ ድሕሪ ኣርባዕተ ዓመት ፡ ብዙሓት ደገፍቲ ትራምፕ ነቲ ምልክት ዲሞክራሲ ኣመሪካ ዝኾነ ህንጻ ዝወረርዎ እዩ። እቲ ተግባር በቲ 82 ዓመት ዝዕድሚኡ ዲሞክራትስ ጆ ባይደን ከም መኽሰሲ ተጠቒሙ፡ ትራምፕ ንዲሞክሲ ከዕኑ ተበጊሱ ዝብል ጎስጓስ ከዐውቶ ኣይከኣለን።

ካብ ስልጣኑ ዝወርድ ዘሎ ፕረሲደንት ባይደንን ኣብ ሕዳር ናብ ትራምፕ ክትስዕሮ ዝተወዳደረቶ ምክትል ፕረዚደንት ካማላ ሃሪስን ኣብ ውሽጢ ካፒቶልሮቱንዳ ዝተረኽቡ ሎይኖም፡ ናይ ቀደም ፕረስደንትታት ባራክ ኦባማ ፣ ጆርጅ ዳብሊው ቡሽን ቢል ክሊንተንን ኢድ ንኢድ ተረኺቦም ነይሮም ። ጸሓፊት ጉዳያት ወጻኢ ነበርን ኣብ 2016 ብትራምፕ ዝተሳዕረት ምስ ሰብ ኣያ ቢል፡ ሂላሪ ክሊንተን ፡ ተረኺባ ነይራ ፣ ሚሸል ሰበይቲ ኦባማ ግና ኣብቲ ስነ ስርዓት ክትሳተፍ ኣይመረጸትን ።
ሓያሎ ናይ ቴክኖሎጂ ኣካየድቲ ስራሕ ፡ በቲ ዝመጽእ ዘሎ ምምሕዳር ክብሪ ረኺቦም ዘለዉ ፡ ማለት እቶም ኣብ ዓለም ሰለስተ ዝሃብተሙ ሰባት ፡ እንተላይ ወናኒ ተስላን SpaceX ከም ኡውን ማሕበራዊ መራኸቢ X ኤሎን ሙስክ ፡ ናይ ኣማዞን ጄፍ በዞስን ማርክ ዙከርበርግን ፡ ኣብቲ መድረኽ ፡ ኣብ ጎድኒ ካቢነ ሚኒስተራትን ኣባላት ስድራ ቤት ትራምፕን ተረኺቦም ።
Three men in dark suits and a woman wearing a white suit
Amazon billionaire Jeff Bezos, Alphabet's CEO Sundar Pichai and businessman Elon Musk attended Donald Trump's inauguration. Source: AAP / Shawn Thew
ካብ መበል 19 ክ/ዘመን ኣትሒዙ ኣብ ቤተ መንግስቲ ዋይት ሃውስ ድሕሪ ምግልጋል ንኻልኣይ ግዜ ተወዳዲሩ ዝተሳዕረ ዳግማይ ተወዳዲሩ ድሕሪ ኣርባዕተ ዓመት ዝምለስ ዘሎ ፕረዚደንት ኣመሪካ ኰይኑ ዝምረጽ ዘሎ ትራምፕ ፡ ኣብ ጥሪ 6 2021 ኣብ ዘጋጠመ መጥቃዕቲ ካፒቶል ሂል ፡ ልዕሊ 1,500 ዝዀኑ ኣብቲ እዋን ዝተኸሱ ናዕበኛታት "ኣብ ቀዳመይቲ መዓልቲ" ምሕረት ከም ዝገብረሎም ተዛሪቡ እዩ ። ኣብ መመረቕታ ባይደን ዘይተረኽበ ትራምፕ ፡ እቲ ባይደን ኣብ 2020 ዝተዓወተሉ ምርጫ ናይ ሓሶት ምዃኑ ምዝራብ ቀጸለ ።


Share
Published 21 January 2025 9:26am
Presented by Beyene Semere Weldegiorgis
Source: SBS


Share this with family and friends