Breaking

እስራኤልን ሓማስን ነቲ 15 ኣዋርሕ ዘቚጸረ ደማዊ ኲናት ቓዛ ደው ከብሉ ተሰማሚዖም።

እቲ ኣብ መንጎ እስራኤልን ሓማስን እተገብረ ውግእ ፡ ን 15 ወርሒ ሞትን ጥፍኣትን እዩ ኣስዒቡ ።

20250116131035235941-original.jpg

Crowds of Gazans chanted and embraced as news spread that a ceasefire and hostage release deal had been reached between Israel and Hamas. Source: AAP

ነቲ ኣብ ቓዛ ዝካየድ ዘሎ ውግእ ደው ንምባል ፡ ድሕሪ እቲ ንዓሰርተታት ኣሽሓት ፍልስጤማውያን ዝቐተለን ንማእከላይ ምብራቕ ዝገማጠለ ን15 ኣዋርሕ ዝቐጸለ ግጭት ፡ኣብ መንጎ እስራኤልን ሓማስን ደው ንምባል ኣብ ስምምዕ ክበጽሑ ክኢሎም ኣለዉ ።
ቀዳማይ ሚኒስተር ቀጠር ነቲ ስምምዕ ዘፍለጠ ኾይኑ ፡ እቲ ንሽዱሽተ ሰሙን ዝቐጸለ ናይ ፈለማ ምቁራጽ ተዅሲ ፡ ሓይልታት እስራኤል በብቝሩብ ካብ ጋዛ ክወጹን ነቶም ብእስራኤል ተታሒዞም ዝጸንሑ ፍልስጤማውያን እሱራት ንምፍታሕ ፡ ብሃማስ ተታሒዞም ዘለዉ ጅሆ ድማ ክፍትሑ ዘለዎ ስምምዕ እዩ ።
ፕረዚደንት ኣመሪካ ጆ ባይደን ፡ እቲ ርክብ ንፍልስጤማውያን ሰላማውያን ሰባት ዝጠቅም ተወሳኺ ሰብኣዊ ሓገዝ ንምቕራብ ዘኽእል ከም ዝዀነ ኣረጋጊጹ እዩ ።
"ኣብተን ቀጺለን ዘለዋ ሽዱሽተ ሰሙናት ፡ እስራኤል ናብ ካልኣይ ምዕራፍ ንምእታው ዘድሊ ምድላዋት ክትገብር እያ ፣ እዚ ከኣ እቲ ውግእ ንሓዋሩ ደው ንምባል እዩ ። ባይደን ብዛዕባ እዚ ክገልጽ ከሎ ፡ "እቲ ውግእ ንሓዋሩ ኣብቂዑ እዩ ኢለ ፡ ደጊመ ክዛረብ እየ" በለ ።
እቲ ተዂሲ ደው ምባል ሰንበት 19 ጥሪ ክጅምር እዩ: 33 ምሩኻት እስራኤል ክፍትሑን ኣምሳይ ሓያሎ ፍልስጤማውያን እሱራት ክፍትሑ እዮም ።
ምዕራፍ ሓደ ናይቲ ስምምዕ፡ ብጅሆ ተታሒዞም ዝጸንሑ ኩሎም ደቀንስትዮ ፡ ህጻናትን ልዕሊ 50 ዓመት ዝዕድሚኦም ሰብኡትን እስራኤላውያን ፡ ክፍትሑ ዝጠልብ እዩ ።
እቲ ካልኣይ ምዕራፍ ንምትግባር ዝሕግዝ ዘተ ኣብ መበል 16 መዓልቲ ናይ ቀዳማይ ምዕራፍ ክጅመር እዩ ፡ ኣብዚ ዘተ ኩሎም ተሪፎም ዘለዉ ጅሆ ዝተታሕዙ ክፍትሑ ፡ ነባሪ ምቁራጽ ተኹስን ሓይልታት እስራኤል ምሉእ ብምሉእ ካብ ጋዛ ክወጹ ድማ ትጽቢት ይግበር ።
እቲ ሳልሳይ መድረኽ ፡ ኵሎም እቶም ዝተረፉ ሬሳታት ክምለሱን እቲ ብግብጺ ፡ ቐጠርን ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ዝምራሕ ዳግመ ህንጻ ጋዛ ኺጅመርን ትጽቢት ይግበረሉ ።

እቲ እስራኤል ምስ ሓማስ ዝገበረቶ ስምምዕ ምስ ተነግረ ፡ እስራኤል ፡ ኣብ ቓዛ ዝህሉ ምቁራጽ ተዅስን ጉዳይ ምፍናው ብጅሆ ዝተታሕዙን ገና ክፍታሕ ከም ዘድሊ ብምግላጽ ፡ "ኩሉ እዚታት ሎሚ ለይቲ ናይ መወዳእታ ክፍጸም " ክኸውን ትጽቢታ ምዃኑ ገለጸት ።
ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚኒስተር በንያሚን ነታንያሁ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ፡ "ኣብቲ ስምምዕ ዘሎ ሓሳባት ከይተፈትሐ ስለ ዝጸንሕ ፡ እቲ ዝርዝር ነገራት ሎሚ ምሸት ክዛዘም ተስፋ ንገብር" በለ ።

ኰይኑ ግና ፡ ኣብ ጋዛ ፡ ብዙሓት ሰባት ነቲ ዜና ብሓጎስ ተቐቢሎም ይጽምብልዎ ከምዘለዉ ዘርእይ ስእልታትተዘርጊሑ ይርከብ ።
"እዚ ንልዕሊ ሓደ ዓመት ዝቐጸለ ስቓይ ፡ ኣብ መወዳእታኡ ከም ዝዛዘም ክኣምን ኣይከኣልኩን ። ብዙሓት ሰባት ጠፊኦምና ፡ ኵሉ ነገር ድማ ስኢንና " ብምባል ጓል 45 ራንዳ ሳምህ ገሊጻ ።
ኣብ ከተማ ቓዛ ዝነብር ዓብዱል ካሪም ዝስሙ ወዲ 27 ዓመት መንእሰይ ድማ፡ "ኵሉ ነገር እኳ እንተ ጠፋእና ፡ ሓጐስ ተስምዓኒ እዩ" በለ ።
ኣስዕብ ኣቢሉ እውን ፡ "ኣብ መወዳእታ ንሰበይተይን ንኽልተ ደቀይን ክርእዮም እየ ኢለ ክኣምን ኣይክእልን እየ" በለ ። "ቅድሚ ዓመት ኣቢሉ ናብ ደቡብ ከዱ ። ነቶም እተመዛበሉ ቀልጢፎም ክምለሱ ተስፋ እገብር "በለ ።

'ኣብ መጻኢ ንዝህሉ ሰላም እወታዊ ስጉምቲ'

ቀዳማይ ሚኒስተር ኣንቶኒ ኣልባኔስ ነቲ ስምምዕ ምቁራጽ ተዅሲ ብሓጐስ ዝተቐበሎ ኮይኑ ፣ ኵሎም ወገናት ከኣ ነቲ ውዕል ኬኽብርዎን ነባሪ ሰላም ኬስፍኑን ተላብዩ ።
እቲ ቀዳመይ ሚኒስተር ብሓሙስ ምስ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ፔኒ ዎንግ ኣብ ዝገበሮ ሓባራዊ መግለጺ "ኣውስትራልያ ድሕሪ ናይ 15 ኣዋርሕ ግጭት ኣብ ጋዛ እተገብረ ስምምዕ ምቁራጽ ተዅስን ሲቪላዊ ህይወት ናብ ንቡር ምምላስን ብሓጐስ እያ እትቕበሎ" ኢሉ።
ኣውስትራሊያ ምስ ማሕበረ-ሰብ ዓለም ኮይና ን ፍታሕ ክልተ መንግስቲ ትሰርሕ 'ላ ፡ በዚ ድማ ፍልስጤምን እስራኤልን ብሰላም ዝነብሩላ ሃገር' ክትፍጠር'ያ ብምባል ኣልባነዝ ገሊጹ።
"ንህዝቢ ፍልስጥኤማውያን ዳግም ንኽሃንጹን ንምምሕዳሮም ንኽመሓየሹን ርእሰ-ውሳነኦም ንኽረኽቡን ኣጋጣሚ ክኸፍተሎም ተስፋ ንገብር ።"
ንሓማስ ክዅንኖ ከሎ ፡ "ኣብ መጻኢ ኣብ ምሕደራ ጋዛ ግደ ሓማስ ክህሉ የብሉን ፣ ዝዀነ ይኹን ኣብ መጻኢ እትህሉ ሃገረ ፍልስጤም ፡ ንድሕንነት እስራኤል ኣብ ሓደጋ ከተእቱ ኣይትኽእልን እያ" በለ ።
"ምስ ማሕበረ ሰብ ዓለም ብምትሕብባር ፡ ንደቂ ጋዛ ዘድልዮም ህጹጽ ሰብኣዊ ሓገዝ ኸነማልኣሎም ኢና ።"

An injured child being treated in hospital
Before October 7, around half of Gaza's more than two million residents were under 18 years old. Over 14,000 of those children have since been killed, according to Gaza's health ministry. Source: AP / Ramez Habboub
ዋና ጸሓፊ ው.ሕ.ሃ. ኣንቶንዮ ጉተረዝ ፡ እቲ ኣብ ጋዛ ሓድሽ ተዅሲ ደው ክብል ተገይሩ ዘሎ ስምምዕ "ኣገዳሲ" ከም ዝዀነ ብምግላጽ ፡ ነቲ ርክብ ሓንጎፋይ ኢሉ ኣብ ዝቕበለሉ እዋን ፡ ነቲ ኣብ ረድኤት ምቕራብ ዘጋጥም ዕንቅፋታት ዘወግድ ክስተት እዩ ክብል ገሊጽዎ ።
ናይ ው.ሕ.ሃ. ትካል ዩኒሴፍ ነቲ ስምምዕ "ካብ ዓቐን ንላዕሊ ዝደንጎየን ኣቐዲሙ ክፍጸም ዝነበረን" ኢሉ ገሊጽዎ ።
ዩኒሴፍ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ፡ "እቲ ውግእ ንቖልዑ ጋዛ ኣዝዩ ዘስካሕክሕ እዩ ነይሩ ፣ ብውሕዱ 14,500 ከም ዝሞቱ ፡ ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ከም ዝቘሰሉ ፡ ኣስታት 17,000 ዝዀኑ ኣላዪ ዘይብሎም ወይ ካብ ወለዶም እተፈልዩ ከም ዝገበሮምን ፡ ዳርጋ ሓደ ሚልዮን ድማ ካብ ኣባይቶም ከም እተመዛበሉ ተፈሊጡ ኣሎ" በለ ።

'እቲ ስቓይ ኣብቂዑ'

ስድራቤታት ናይቶም ብጅሆ ተታሒዞም ዘለዉ እስራኤላውያንን ኣዕሩኽቶምን ነቲ ስምምዕ ኣብ ጎደናታት ቴልኣቪቭ ብምውጻእ ጸምቢሎሞ ።
"መንግስቲ እስራኤል ንኹሎም 'ብጅሆ ተታሒዞም ዘለዉ ንምምላስ ከምኡውን ካብ ጋዛ ናብ ሃገረ እስራኤል ዘስግእ ኩነታት ከምዘይህሉ ንምግባር ዝ ኣተዎ መብጽዓ እንተፈጺሙ ካልኦት ወለዲ ኣብ' ዚ ደው ኢሎም ከምዚ ናትና ኣይክኾኑን እዮም ፡ " ኣቦ ናይ ሓደ ብጅሆ ተታሒዙ ዘሎ ቲዝካ ሞር ክብል ንናይ እስራኤል ቻነል 12 ገሊጹ።
Two women hugging
Family members of hostages held in Gaza celebrated in Tel Aviv after Israel and Hamas agreed on a hostage deal and ceasefire. Source: EPA / Abit Sultan
ኣቦ ሓደ ካብቶም ብሓማስ ጅሆ ዝተታሕዙ፡ ኢዳን ኣሌክሳንደር ፡ "እዚ ጭንቀት እዚ ከም ዝሓልፍ ተስፋ እገብር ።" ኢሉ።
"ነቶም ብጅሆ ተታሒዞም ዘለዉን ፡ ነቶም ዘፍቅርዎም ሰባት ሞይቶሞም ዘለዉ ኣብ እስራኤል ክቕበሩ ዝጽበዩ ዘለዉ ስድራ ቤታት ድማ እታ መዓልቲ ሓሊፋ ጭንቀቶም ክውዳእ ተስፋ እገብር ።"
ብመሰረት መንግስቲ እስራኤል ፡ ካብቲ ሓማስ ብ7 ጥቅምቲ ኣብ ጋዛ ዝፈጸሞ መጥቃዕቲ ፡ 30 ቈልዑ ዝርከብዎም ልዕሊ 1,200 ሰባት ተቐቲሎም ፡ ልዕሊ 200 ድማ ጅሆ ሒዞም እዮም ። ብመሰረት እቲ ኣብ ጋዛ ዝርከብ ኣገልግሎት ጥዕና ድማ፡ ካብ 7 ጥቅምቲ ኣትሒዙ ኣብ ጋዛ ልዕሊ 46,000 ሰባት ተቐቲሎም እዮም ።
እቲ ብ7 ጥቅምቲ ዘጋጠመ መጥቃዕቲ ፡ ኣብቲ ኣብ መንጎ እስራኤልን ሓማስን ንነዊኅ እዋን ዝጸንሐ ግጭት ፡ ዓብዪ ጽልዋ ኣሕዲሩ እዩ ።


Follow the latest from SBS News at , or on the SBS News app available on  or .

Share
Published 16 January 2025 9:49am
Presented by Beyene Semere Weldegiorgis
Source: AFP, Reuters


Share this with family and friends