ቅነ ቢንያም ግርማይ ኣብ ስፐይን፣ ሄኖክ ምሉእብርሃንን ናትናኤል ተስፋጽዮንን ድማ ኣብ ኣውስትራልያ፣ ዓወት እጅጋየሁ ታየ ኣብ ራስ ኣልኼማ (ሰሙናዊ መደብ ስፖርት)
Credit: SBS
ሰሙናዊ መደብ ስፖርት (03/02/2025) * እጅጋየሁ ታየ ኣብ ፍርቂ ማራቶን ራስ ኣልኼማ ተዓዊታ፣ * ቢንያም ግርማይ ኣብ ቅድድም ብሽግለታ ትሮፊዮ ሰስ ሳሊነስ ተሳቲፉ ራብዓይ ወጺኡ፣ ሄኖክ ምሉእብርሃንን ናትናኤል ተስፋጽዮንን ድማ ኣብ ጂሎንግ (ኣውስትራልያ) ተቐዳዲሞም፣ * ሞሮኮ ኣብ ተአንግዶ ግጥማት ኩዕሶ እግሪ ዋንጫ ሃገራት ኣፍሪቃ ኣፍኮን 2025 ተሳተፍቲ ሃገራት ዝሓለፈ ሰሙን ምድባተን ፈሊጠን፣ * ናይ መወዳእታ ዙርያ ግጥማት ኩዕሶ እግሪ ሻምፒዮንስ ሊግ ኤውሮጳ ሮቡዕ ተኻይዶም ኣብ ኣፈፈት ውድቀት ዝነበራ ማድሪድን ስቲን ወሲኽካ ዝበዝሓ ዓበይቲ ጋንታታት ዓለምና ናብ ዝቕጽል ዙር ምሕላፈን ኣረጋጊጸን፣ * መበል 24 ዙርያ ግጥማት ፕሪምየር ሊግ ዓዲ እንግሊዝ ዝሓለፈ ቀዳመ ሰንበት ተኻይዶም ኣሌክሳንደር ኢሳቕን ጋንትኡ ኒውካስትል ዩናይትድን ክሰዓሩ’ንከለዉ ሊቨርፑልን ኣርሰናልን ሕጂ’ውን ስለዝሰዓራ ፍልልየን ብማዕረ ይቕጽል፣
Share