መጠንቀቕታ: እዚ ትሕዝቶ ንገሌኹም ከጨንቕ ይኽእል'ዩ።
ኣብ ኣውስትራልያ፡ ልዕሊ ፍርቂ ብግዝያዊ ቪዛ ዝነብራ ደቀንስትዮ ኣብ ስርሐን ጾታዊ መጥቃዕቲ ኣጋጢምወን።
ብመሰረት ሓደ ኣብ ቀረባ ግዜ ብማሕበር ሰራሕተኛታት Unions NSW ዝወጸ መጽናዕቲ፡ 25% ካብ'ዘን ደቀንስትዮ ጥራይ ከምኡ ከምዘጋጠመን ይሕብራ ወይ ጥርዓን የቕርባ።
ህንጻ፡ ምቕባል ኣጋይሽ፡ ሆርቲካልቸር፡ ጽሬትን ችርቻሮ ንግድን ገለ ካብ'ቶም ኣዝዮም ድሕነት ዘይብሎም ተባሂሎም ተዘርዚሮም፡ ሓለፍትን ኣካየድትን ኣብ'ዚኦም ጽላታት ከኣ እቶም ብብዝሒ ነዚ በደል ዝፍጽምዎ'ዮም።
እተን ተበዲልና ወይ ዓመጽ በጺሑና ኢለን ዝሓበራ ወይ ዝጠርዓ ደቀንስትዮ ብምፍርራሕ፡ ደሞዝ ደው ምባል፡ ናይ ምጥራዝ ፈኸራን ስርሐን ደው ምባልን ከም መቕጻዕታት በጺሑወን።
ፕሮፈይሰር ማሪ ሰግረይቭ ካብ ዩኒቨርሲቲ ኦፍ መልበርንመልበርን፡ ኣንጻር መጻእትን ስደተኛታትን ደቀንስትዮ ዘጋጥዘጋጥም ጾታዊ ዓመጽ ኣብ ኣውስትራልያ ዘጽንዐት ኮይና፡ ዝበዝሓ ደቀንስትዮ ብዘይስራሕ እቲ ድሕነተን ዝያዳ ኣብ ሓደጋ ዝወድቕ ኮይኑ ተሰሚዑወን ኢላ።
እዚ ምስኣን ፋይናንሳዊ ውሕስነትን መንበሪ ፍቓድን ዝፈጠሮ ፍርሒ ብዙሓት ደቀንስትዮ ነቲ ዘጋጥመን ዓመጽ ወይ በደል ኣብ ክንዲ ዝሕብራ "ከመሓድረኦ" ገይሩወን።
መንግስቲ፡ ምስ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኣውስትራልያ ብምዃን፡ ንደቀንስትዮ ኣብ ቦታ ስራሕ ድሕነተን ንምሕላው ሕግታት የተግብሩ እንተሃለዉ'ኳ፡ ፕሮፈይሰር ሰግረይቭ ግን ምትዕርራይ ወይ ምምሕያሽ ኣብ ሕጊ ሓደ ክፋል ናይ'ቲ ፍታሕ ጥራይ'ዩ ትብል።
"ብዛዕባ ዝተፈላለየ ተሞክሮታት ድሕነት ደቀንስትዮ ዝያዳ ዝተራቐቐ ሜላታት ኣተሓሳስባ የድልዩና፡ ከምኡ'ውን ዝተፈላለዩ ሜላታት ኣተሓሳስባ ብዛዕባ ምድጋፍ ንደቀንስትዮን ኣብ ዙርያ'ዚ ድሕነት ምፍጣርን የድልየና።”
ንስኹም ወይ ካልእ ትፈልጥዎ ሰብ ጾታዊ ዓመጽ ወይ በደል ዘጋጠሞ እንተልዩ 1800RESPECT ኢልኩም ደውሉ ወይ መርበብ ሓበሬታ 1800RESPECT.org.au ከፊትኩም ረኣዩ። ህጹጽ ሓደጋ ምስ ዝርከብ ግን 000 ደውሉ።