ሓድሽ ግዝያዊ ቀዳማይ ሚኒስተር ሶርያ ፡ ብደገፍ እቶም ቅድሚ ሰለስተ መዓልቲ ንፕረዚደንት ባሻር ኣል-ኣሳድ ዝሰዓርዎ ዕጡቓት ነታ ሃገር ብሓላፍነት ንኽመርሓ ሓላፍነት ከምዝወሰደ ኣፍሊጡ ኣሎ ።
ኣሳድ ድሕሪ እቲ ን13 ዓመት ዝቐጸለ ውግእ ሓድሕድን ንልዕሊ ሓሙሳ ዓመት ዝቐጸለ ዉልቀ ምልክነታዊ ኣገዛዝኣ ስድራ ቤትዝብቅዐ ፍጻመ ኣሳድ ካብ ስልጣኑ ተኣልዩ ፡ ናብ ሩስያ ክሃድም ተገዲዱ እዩ።
መሓመድ ኣል በሺር ብሰሉስ ኣብ ተለቪዥን እታ ሃገር ሓጺር መግለጺ ሂቡ ነይሩ። ኣብ መላእ ሶርያ ፍሉጥ ዘይኮነን ቅድሚኡ እቶም ዕጡቓት ኣብ ዝቈጻጸርዎ ዝርከብ ምምሕዳር ዘመሓድር ዝነበረ መሓመድ ኣል-በሽር: ክሳዕ 1 መጋቢት ከም መራሒ ግዚያዊ መንግስቲ ከም ዝመርሕ ገለጸ ።
ብ ሰሉስ ኣብ ተለቪዥን እታ ሃገር ኣብ ዝሃበቶ ሓጺር መደረ ፡ "ሎሚ ፡ ኣብ ኢድሊብን ከባቢኡን ምስቲ ስርዓት ካብ ስልጣን ዝኣለየ ኣባል ካቢነ ሚኒስተራት ኣኼባ ጌርና" በለ ።
እቲ ኣኼባ ፡ ፋይላትን ትካላትን ንመንግስቲ ናይ ምምሕልላፍ መስርሕ እዩ ነይሩ "በለ ።
እዚ ሓድሽ ናይ ግዝያዊ መንግስቲ ሶርያ መራሒ ፡ ክንዮ ኣውራጃ ኢድሊብ ፡ ፖለቲካዊ ተፈላጥነት የብሉን ፣ እቲ ንሱ ዘመሓድሮ ዝነበረ ዞባ፡ ኣብ ሰሜን ምዕራብ ኮይኑ ፡ ደባይ ተዋጋእቲ ንሰራዊት ሶርያ ደፊኦምሉ ዝነበሩ ነዊሕ ዓመታት ፡ ዘመሓደርዎ ከባቢ እዩ ነይሩ ።
ሓደ ናይቲ ስልጣን ተቖጻጺሩ ዘሎ ናይ ፈይስቡክ ገጽ እዚ መራሒ ኮይኑ ዘሎ ናይ ኤለትሪክ መሃንድስ ኮይኑ ከም ዝሰልጠነ ይገልጽ ፡ ጸኒሑ ብሻሪዓን ሕግን ዲግሪ ረኺቡ ፡ ሳብ ጽላት ትምህርቲ ኣብ ዘጠቓልል ሓላፍነታት ሒዙ ኔሩ ።
ደማስቆ ትኽፈት
ኣብታ ርእሲ ከተማ ሶርያ ዝኾነት ደማስቆ ፡ ኣሳድ ካብ ዝግልበጥ ንነጀው ፡ ባንክታት እንደገና ተኸፊቶም ኣለዉ ። ድኳናት እውን ዝተኸፍቱ ኮይኖም፡ መኻይድ ኣብ ጽርግያ ይምላለሳ ፡ ሰራሕተኛታት ጽርየት ከኣ ጐደናታት ይዅስትሩ ኣለዉ ።
ቍጽሪ እቶም ኣብ ጐደናታት ዝነበሩ ዕጡቓት ኣዝዩ ነክዩ ኣሎ ። ምስቶም ዓለወኛታት ቅርበት ዘለዎም ክልተ ምንጭታት ከምዝገለጽዎ ፡ኣዘዝቲ ሰራዊት ነቶም ተዋጋእቲ ካብ ከተማታት ክስሕቡ ፡ ምስ ቀንዲ ደባይ ተዋጋእቲ ሃያት ታሕሪር ኣል-ሻምስ (HTS) ምትእስሳር ዘለዎም ፖሊስን ሓይልታት ውሽጣዊ ጸጥታን ድማ ነቲ ጸጥታ ከተማታት ክሕልዉ ሓላፍነት ተዋሂብዎም ኣሎ ።
ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ኣንቲኒ ብሊንከን ፡ ኣመሪካ ንናይ ሶሪያ ፖለቲካዊ መስርሕ ስግግር ሙሉእ ብሙሉእ ክትድግፍ ምዃናን ፤ ናብ ዘይሻራውን ዘይዓሌታዊ ምምሕዳር ክትሰጋገር ከምትደልን ገሊጹ።
ኣብቲ እቲ ቀደም ምስ ኣል-ቃይዳ ዝምድና ዝነበሮ ጉጅለ ፡ ሃገራት ወጻኢ ክሰርሓ ድላየን ዘርእያሉ ምልክት ዘሎ ኮይኑ ልኡኽ ዉዱብ ሕቡራት ሃገራት ነቲ ኣንጻር ኣሳድ እተገብረ ዕልዋ ዝመርሖ ጉጅለ ከም ኣሸባሪ ምቑጻር ከምዘይድግፎ ገሊጹ ።
ልኡኽ ው.ሕ.ሃ. ኣብ ሶርያ ገይር ፔደርሰን ኣብ ጄኔቫ ኣብ ዝሃቦ ሓጺር መግለጺ "እቲ ሓቂ HTS ን ካልኦት ዕጡቓት ጕጅለታትን ንህዝቢ ሶርያ ጽቡቕ መልእኽቲ ይሰድ ኣለዉ... ንሓድነትን ንኹሉ ዘካትትን መልእኽቲ" በለ ።
እስራኤል ኣብ ወተሃደራዊ መኽዘን ዒላማ ዝገበረ መጥቃዕቲ ኣየር ከምዝገበረት ገሊጻ።
እስራኤል ነቲ ናይ ሶርያ ስትራተጂያዊ ኣጽዋር ከም እተዕኑ ዝገለጸትሉ እዋን ፡ ኣብ ደቡባዊ ሶርያ ነባሪ ሰራዊት ከይህሉ ዝገብር "ጽኑዕ መከላኸሊ ዞባ" ኸተቕውም ዕላማ ከምዘለዋ ኣፍሊጣ።
ኣብ ዝሓለፈ 48 ሰዓታት ፡ ድሕሪ ውድቀት መንግስቲ ኣሳድ ፡ ሰራዊት እታ ሃገር ፡ ነፈርቲ ውግእ ኣብ ልዕሊ ዒላማታት ፡ እንተላይ ኣብ ልዕሊ ጸረ-ነፈርቲ ውግእ ፡ መኻዝን ኣጽዋር ብ ነፈርቲ ውግእን ሚሳይላትን ልዕሊ 350 መጥቃዕቲ ከም ዘተኻየደ ገሊጹ ነይሩ ።
ብዘይካዚ ፡ መራኽብ ሚሳይል ነቲ ኣብ ወደብ ኣል-ባይዳ ዝርከብን ላታኪያ ዝርከብን መሳለጥያታት ሓይሊ ባሕሪ ሶርያ ወቒዐን እየን ፣ ኣብኡ ድማ 15 መራኽብ ሓይሊ ባሕሪ ሶርያ ዓሪደን ነይረን ።
ሰብ መዚ እስራኤል ከምዝሓበርዎ ፡ እቲ ኣብ መላእ ሶርያ ዝተኻየደ መጥቃዕቲ ፡ ስትራተጂያዊ ኣጽዋርን ወተሃደራዊ ትሕተ ቅርጽን ንምድምሳስ ዝዓለመ ኰይኑ ፡ ገለ ካብቶም ንኣሳድ ካብ ስልጣን ዘባርርዎ ዕጡቓት ጉጅለታት ፡ ገ ምስ ኣልቃዒዳን እስላማዊ መንግስትን ብዝተሓሓዝ ምንቅስቓሳት ዝዓበዩ እዮም ።
ቀዳማይ ሚኒስተር በንያሚን ናታንያሁ ፡ "ኣብ ውሽጣዊ ጕዳያት ሶርያ ጣልቃ ክንኣቱ ዕላማ የብልናን ፣ ኰይኑ ግና ፡ ድሕንነትና ንምርግጋጽ ዘድሊ ዘበለ ክንገብር ከም እንሓስብ ንጹር እዩ" በለ ።
"ሰራዊት ሶርያ ኣብ ኢድ ጂሃዳውያን ምእንቲ ኸይወድቕ ፡ ነቲ ስትራተጂያዊ ወተሃደራዊ ዓቕሚ ኺድብድብ ስልጣን ሂበ ነይረ" በለ ።
ድሕሪ እቲ ኣሳድ ብሰንበት ዝሃደመሉ እዋን ፡ ሰራዊት እስራኤል ናብቲ ኣብ ውሽጢ ሶርያ ዝርከብ ፡ ድሕሪ እቲ ብ1973 ኣብ መንጎ ሃገራት ዓረብን እስራኤልን እተኻየደ ውግእ ፡ እንተላይ እቲ ናብ ደማስቆ ዘብል ስትራተጅያዊ ከረን ሔርሞን ዝርከብ ኣትዮም ይርከቡ ፣ ኣብኡ ድማ ነቲ እተሓድገ ወተሃደራዊ መዓስከር ሶርያ ተቘጻጺሮሞ ይርከቡ ።
ሓደ ወተሃደራዊ ወሃቢ ቃል ሰራዊት እስራኤል ከምዝሓበሮ ወተሃደራት እስራኤል ኣብቲ መፈላልዪ ዞባ ከም ዝጸንሑን ኣብቲ ከባቢ "ሒደት ተወሳኺ ነቑጣታት" ከም ዝኣተዉን ገለጸ ።
እንተዀነ ግን: ሓይልታት እስራኤል ካብቲ ከባቢ ኣጸቢቖም ናብ ግዝኣት ሶርያ ከም ዝኣተዉ: ሓደ ናይ ሶርያ ምንጪ ናብታ ካብ ዞባ ምብራቓ እትርከብ ከተማ ኳታና ከም ዝበጽሑን ካብ መዕርፎ ነፈርቲ ደማስቆ ሓጺር መገዲ መኪና ሪሒቖም ከምዘለዉ ገሊጹ ኣሎ ።
ኣብ ሊባኖስ ንሰሙናት ኣንጻር እቲ ብኢራን ዝድገፍ ምንቅስቓስ ሕዝቦላህ ኽትዋጋእ ድሕሪ ምጽናሕ ፡ እቲ ኣብ ሊባኖስ ዘጋጠመ ተዅሲ ደው ክብል ተሰማሚዓ ዘላ እስራኤል ፡ ጸጥታ ዶባት ንምውሓስ ፡ ናብ ክሊ ሶርያ ብውሱንን ግዝያውን ክትኣቱ ኪኢላ ኣላ ።