ዉድድራት ኲዕሶ እግሪ ዋንጫ ዓለም 2034 ሱዕዲ ዓረብ ከምተዳልዎ ፊፋ (FIF) ኣረጋጊጹ።

ፊፋ 2034 ዋንጫ ዓለም ንግስነት ስዑዲ ዓረብ ከተአንግዶ ኣብዘረጋገጸሎ ዘሎ እዋን ፡ ጉጅለታት ሰብኣዊ መሰላት 'ሓላፍነት ዘይብሉ ዉሳነን ህይወት ሰባት ኣብ ሃደጋ ዘእቱን'ዩ" ክብሉ ገሊጾም።

Crowds smile and celebrate while wearing football jerseys.

Saudi Arabia was the only bidder to host the 2023 FIFA World Cup. Source: Getty / Francois Nel

ስዑዲ ዓረብ ኣብ 2034 ውድድር ዋንጫ ዓለም ደቂ ተባዕትዮ ከም እተአንግድ ተረጋጊጹ ኣሎ ፣ እቲ ናይ 2030 ዉድድራት ከኣ ኣብ ስጳኛ ፡ ፖርቱጋልን ሞሮኮን ዝካየድ ክኸውን ከሎ ፡ ኣብ ሰለስተ ሃገራት ደቡብ ኣመሪካ ድማ ሓደ ግጥም ክካየድ እዩ ።
እቲ ኣብ ናይ ስዑዲ ዓረብ ዝግበር ጸወታታት ካብ ናይ ሰብኣዊ መሰላት ጕጅለታት ህጹጽ ግብረ መልሲ ተዋሂብዎ ኣሎ። እቲ ዉሳነ ብፕረዚደንት ፊፋ ጂያኒ ኢንፋንቲኖ ብ ማንዛ እዩ ኣብቲ ፊፋ ዝገበሮ ኣኼባ ተገሊጹ።
እተን 2030ን 2034ን ጽዋኣት ዓለም ከአንግዳ ዝቐረባ፡ ነፍሲ ወከፈን ሓሓንቲ ሃገ ጥራይ ዝቐረባ ኮይነን ፣ ንክልቲኡ ድማ ተወሲኑ ኣሎ ።
"ኲዕሶ እግሪ ናብ ብዙሓት ሃገራት ነምጽእ ኣለና ፡ ብዝሒ ጋንታታት እውን ነቲ ዓይነት ጸወታ ኣየፍኮሶን ። እኳ ደኣ ነቲ ዕድል ኣስፊሕዎ ኣሎ ፡ "ክብል ኢንፋንቲኖ ብዛዕባ ዋንጫ ዓለም 2030 ተዛሪቡ።
እቲ ብ ሞሮኮ ፡ ስጳኛን ፖርቱጋልን ዝቐረበ ብሓባር ምእንጋድ ዝቐረበ እማመ ፡ ዋንጫ ዓለም 2030 ኣብ ሰለስተ ክፍላተ ዓለማትን ብሽዱሽተ ሃገራትን ክካየድ እዩ ፣ ኡራጓይ ፡ ኣርጀንቲናን ፓራጓይን ከኣ ነቲ ውድድር ከም መኽፈቲን መዕጸውን ኮይነን ነቲ ጸወታታት ከአንግዳ እየን ።
ድሕሪ ኣርባዕተ ዓመት ፡ ድሕሪ 12 ዓመት ፡ ጐረቤታ ዝኾነት ኣብ ቐጠር ነቲ ናይ 2022 ድሕሪ ንኻል ኣይ እዋን ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ኣብ ስዑዲ ዓረብ ነቲ ውድድር እተአንግድ ክትከውን እያ ፣ ።
ብ2023 ፊፋ ፡ ዋንጫ ዓለም 2034 ኣብ ዞባ እስያ ወይ ኦሽያንያ ከም ዝካየድ ገሊጹ ነይሩ እዩ ፣ ኮንፈደረሽን ኵዕሶ እግሪ ኤስያ ድማ ነቲ ብስዑዲ እተገብረ ምልክታ ደጊፉ ኣሎ ። ኣውስትራልያን ኢንዶነዥያን እውን ብሓባር ከአንግዳ ምልክታ ከቕርባ መዲበን እኳ እንተ ነበራ'ኳ ፡ ነቲ መደብ ኣቋሪጸናኡ ።

Share
Published 12 December 2024 8:48am
Presented by Beyene Semere Weldegiorgis
Source: AAP


Share this with family and friends