ጸጋየ ኣራርሳ ለይቲን መዓልቲን ኣብ ተጠንቀቕ እዩ ዝርከብ፡ ካብ ስግኣት ዝብገስ ኣብ መኪናኡን ኣብ ገዛኡን ናይ ሓለዋ ካሜራ ተኺሉ እዩ ዝንቀሳቐስ።
ናብ ደገ ኣብዝወጸሉ እዋን ብገለ ሰባት ክትትል ይግበረሉ ከይህሉ ንምርግጋጽ መመሊሱ ኣብቲ ናይ መኪናኡ መስትያት ንድሕሪት እናረኣየ እዩ ዝኸይድ።
"ኣብ ኢትዮጵያ ዝካታተሉኒ ኔሮም'ዮም " ክብል ጸጋየ ን SBS' The Feed. ገሊጹ
ኣብ መልበርን ን 10 ዓመታት እንተተማህረን እንተነበረንውን፡ ናብ ኢትዮጵያ ከይዱ ኣብ ሓደጋ ክወድቕ ስለዝኽእል ናይ ዑቕባ ቪዛ እንተተዋህቦኳ ሕጂውን ዝከታተልዎ ከምዘለዉ ገሊጹ።
ኣብ ሃገሩ ኣብ ልዕሊ ኦሮሞ ዝወርድ ግፍዒ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ብዝገብሮ መልእኽቲታትን ነቲ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊኡ ክገብሮ ዝሓስብ ናብ ዝለዓለ ደረጃ ዓሪጉ ኣብ ኢትዮጵያ ናይ ዓሌትን ሃይማኖትን ዕግርግር ክፍጠር ጎስጒሱ ብዝብል ኣብዘለዎ ክሲ መስሪትሉ ኣሎ።
ኣብ ወርሒ ሓምለ ብ The Feed, ኣብዝቐረበ ዶኲመንታሪ ጸጋየ ኣብዘለዎ ክተሓዝ ካብ መንግስቲ ኢትዮጵያ ናይ ቤት ፍርዲ ወረቐት ቀሪቡ ኔሩ፡ ናይ ኢትዮጵያ ናይ ኢሚግራሽን ደፓርትመንት ጸጋየ መዓስ ካብ ኢትዮጵያ ከምዝወጸ፡ ቅዳሕ ፓስፖርቱን ስእሉን ሓቲቱ ኔሩ።
እቶም ሰነዳት ናብ ጸጋየ ኣራርሳ ዝበጽሑ ኣብ ኢትዮጵያ ብዘለዉ ቀረቡ ኣቢሎም እዮም።እዚ ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብልዕሊኡ ቀሪቡ ዘሎ ክሲታት ጸጋየ ኣራርሳ ኣይቅበሎን።
An Ethiopian government document obtained by The Feed calling for the arrest of Tsegaye Arassa. Source: The Feed
ጸጋየ ኣራርሳ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዩኒቨርሲቲ ናይ ሕጊ ለክቸረር ዝነበረ ኮይኑ፡ ኣብዚ እዋን ኣብ መልበርን ዩኒቨርሲቲ ናይ PhD ብሕጊ ትምህርቱ ዝከታተል ዘሎ እዩ። ንሱ ማሕበረሰብ ኦሮሞ ኣብ ኢትዮጵያ ዝግብኦ ፖፐቲካዊ ስልጣን ክሕዝ ኣብዝቃለስ ምንቅስቓስ ኣባል እዩ።
ጸጋየ ኣራርሳ ሓደ ካብቶም ብዙሓት ኣብ ኣውስትራሊያ ዝርከቡ ብዛዕባ መበቆል ዓዶም ብዝገብርዎ ፖለቲካዊ ንጥፈታት ብናይ ቀደም ሃገሮም ዝህደኑ እዩ። ጸጋየ ኣራርሳ ካብ 2011 ኣትሒዙ ዝህደን ዘሎ ብምዃኑ ከምዘየሐድሶ እዩ ዝዛረብ።
ኣብ ወርሒ ነሓሰ ልዕሊ 100 ሰባት ካብ መበቆል ዓዶም ስግኣት ይረኽቦም ከምዘሎ , ASIO ገሊጹ ኔሩ።
"ገለ ናይ ወጻኢ መንግስታት ነቶም ዲያስፖራ ክቆጻጸርዎምን ወይ ነቶም ንመንግስቶ ስግኣት ይኾኑ እዮም ዝበሃሉ ንዝገብርዎ ተቓዉሞ ክሕምሽሽዎ እዮም ዝጽዕሩ" ወሃብ ቃል ASIO ን The Feed. ሓቢሩ።
"እቲ ምትእትታው ከም ምፍርራሕ ወይ ኣብቶም ዉልቀ ሰባትን ኣብ ኣውስትራሊያ ዘለዉን ኣብ ዓዶም ዘለዉን ንስድራኦም ምጉዳእን ይርከቦ። ኣብ ገሊኡ እቶም መንግስታት ኣብ ኣውስትራሊያ ብዘለዉ ኣባላት ማሕበረሰብ ኣቢሎም ምክትታል ወይ ምፍርራሕ ይገብርሎም። "
"ASIO ምስ ማሕበረሰብ ዲያስፖራ ብምዃን ካብቶም ናይ ወጻኢ መንግስታት ገለ ነገር ከይወርዶም ብንጥፈት ይከላኸለሎም እዩ"
ኣብ ወርሒ ነሓሰ ብስደት ዝመጹ ማሕበረሰብ በዚ ስግኣት ኣዚዮም ከምዝሳቐዩ the Australian Multicultural Council ስምዕታ ኣቕሪቡ ኔሩ።
'ንምውራደይን ብዘይገበርኩዎ ጸለመ ንኽበጽሓኒ ብዕለም ደረጃ ኣንጻረይ ዓቢ ጎስጓስዩ ተኻይዱለይ'
ኣብዚ እዋን መንግስቲ ኢትዮጵያ ክሳብ ናብ ኣውስትራሊያ ዝዝርጋሕ ንዋታዊ ሳዕቤናትዩ ዘርጊሑ ዘሎ ክብል ጸጋየ ይገልጽ።
"ስለዚ ኣብ 2018, ብዓለም ደረጃ ኣንጻረይ ዓቢ ጸለመን ምንሻውን እዩ ተጌሩ። ገዛእ ርእሶም 'Ethiopians for peace' ዝበሃል ጉጅለ ኣብ ማሕበራዊ ሜድያ t change.org ከም ኡውን ኣብ ፌስቡክ መጥቃዕቲ ጀሚሮምለይ" ኢሉ።ኣብቲ እዋን ጸጋየ ኣራርሳ ኣብ መስርሕ ሕቶ ዑቕባ ዝነበረ ኮይኑ ኣብ ኣውስትራሊያ ንምንባር ፍቓድ ክወሃቦ ዝጽበየሉ ዝነበረ እዋን እዩ ኔሩ።
Source: change.org
"ናብ ሰብ መዚ ኢሚግረሺን ናብ ኢትዮጵያ ክጥረዝ ናይ ፐቲሽን ደብዳበ እዮም ሊኢኾም። በዚ ድማ እቲ ናተይ ናይ ዑቕባ ሕቶ ብዝተወሰነ ደረጃ ተደናጉዩ።" ክብል ገሊጹ።
"ካብ ዩኒቨርሲቲ ክስጎግ፡ ንክቕተልን ብዙሕ ብዛዕባይ ኣብ ፌስቡክ ጽሒፎም" ክብል ወሲኹ ጸጋየ ገሊጹ።
"ካብ ሳይበር ዝወርደኒ መጥቃዕቲ ክሕልወኒ ናብ ፖሊስ ጠሪዐ እየ"
ጸጋየ ኣራርሳ ምስካልኦት ብምዃን ኣብ the Oromo Freedom Charter, ዝበሃል ብምንጣፍ ናይ ኦሮሚያ ሰላም፡ ነጻነትን ኣብ ምጽዋዕ ይርከቡ።