ቀዳማይ ሚኒስተር ካናዳ ጃስቲን ትሩዶ ፡ ከም መራሒ ናይቲ ኣብ ስልጣን ዘሎ ሰልፊ ሊብራል ንትሽዓተ ዓመት ኣብ ስልጣን ድሕሪ ምጽናሕ ፡ ክወርድ ምዃኑ ገሊጹ ኣሎ ።ትሩዶ ካብ ሰልፊ ሊብራል ንኽወርድ ጸቕጢ ዝተገብረሉ፡ እቲ ሰልፊ ተቐባልነቱ ባይታ እናዘበጠ ይኸይድ ብምህላዉ ኣብቲ ዝመጽእ ምርጫ ከይተዓወተ ከይተርፍ ብምስጋእ እዩ።
ትሩዶ "እዛ ሃገር እዚኣ ኣብ ዝቕጽል ምርጫ ናይ ሓቂ ምርጫ እዩ ዝግብኣ: ምስ ውሽጣዊ ውግኣት ዝቃለስ እንተደኣ ሃልየ ኣብቲ ዝቕጽል ምርጫ እቲ ዝበለጸ ምርጫ ክኸውን ከም ዘይክእል ድማ ንጹር ኰይኑለይ እዩ" በለ ።
ሕጂ ባይቶ ክሳዕ 24 መጋቢት ኣብ ዘሎ ግዜ ጠጠው ክብል እዩ ፡ ትሩዶ ግን እቲ ሰልፊ መተካእታ ክሳብ ዝሓሪ ኣብ ቦትኡ ክጸንሕ እዩ።እዚ ማለት ፡ ፕረዚደንት ኣመሪካ-ነበር ዶናልድ ትራምፕ ኣብ 20 ጥሪ ስልጣን ምስ ሓዘ ፡ ንቝጠባ ካናዳ ዘሰናኽል ቀረጽ ከተኣታቱ ኣብ ሓደጋ ኣብ ዘላትሉ፡ ቅድሚኡ ምርጫ ክግበር ዘይሕሰብ እዩ ።
እቲ ወዲ 53 ዓመት ኣብ ሕዳር 2015 ስልጣን ዝሓዘ ኮይኑ: ክልተ ሳዕ ድማ እንደገና ተመሪጹ: እዚ ከኣ ሓደ ካብቶም ኣብ ካናዳ ዝነውሐ ኣብ ስልጣን ብምጽናሕ ዘገልገሉ ኣብ ቀዳሞት ዝተሰርዐ መራሒ ካናዳ እዩ። ይኹን እምበር ፡ እቲ ህቡብነቱ ቅድሚ ክልተ ዓመት ፡ ብሰንኪ ክብሪ ዋጋታትን ሕጽረት መንበሪ ኣባይትን ኣመና ኣንቆልቂሉ እዩ ።
ካብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣትሒዙ ፡ ንሚኒስተር ፋይናንስ ክርስቲያ ፍሪደም ፡ ሓንቲ ካብተን ናይ ቀረባ መሻርኽቱ ካቢነ ሚኒስተራት ዝነበረት ፡ ነቲ ውጥኑ ንምትግባር ተወሳኺ ወጻኢታት ክግበር ሓቲቱ ምስነጸገቶ ከውርዳ ድሕሪ ምፍታኑ ፡ ካብ ስልጣኑ ክወርድ ዝግበር ጻዊዒት መሊሱ ኣጋዲድዎ እዩ ።
ትሩዶ "ነቲ ዝቕጽል ምርጫ ሰልፊ ሊብራል ዝቃለስ መራሒ ከም ምዃነይ መጠን ካብ ስልጣን ምርሓቐይ ነቲ ሕጂ ኣብ ቤት ጽሕፈትን ኣብ ፖለቲካ ካናዳን እንርእዮ ዘለና ፖሎቲካዊ ምስሕሓብ ክንክዮ እዩ።" በለ ።