ምዑዝ፡ ድሕረ-ኮቪድ ክንዮ ከተማ ብርስቤን ክሰፍሕ ዝዕልም ናይ ኤርትራዊያን ደቂ ኣንስትዮ ኢንተርፕራይዝ።

እቲ ሓዲሽ ናይ ኣሰራርሓ ኣገባብ ቅድሚ ሕጂ ዘይነበረን፡ ነቲ ኣብ ቤት መግቢ ዝፈሪ ጸብሒታት ብጠራሙዝ ዓሺግካ ሰባት ኣብ ገዛኦም ከምዝውድእዎ ዘግብር እዩ።

Muooz Restaurant

Source: Saba Abraham

ኣብ 2003 ኣብ ኲንስላንድ ከተማ ብርስቤን ካብ ኤርትራ ዝተሰዳ ደቂ ኣንስትዮ፡ ባዕለንን ከም አን ዝ ኣመሰላ ብስደት ኣብዝመጻሉ ብሰንኪ ሕጽረት ቋንቋን ሓዲሽ ባህሊን፡ ስራሕ ንምርካብን ኣብቲ ሓዲሽ ዓደን ምስዘለዉ ሕብረተሰብ ንምጽንባርን እንታይ ክገብራ ከምዝግባእ ዘተ ጀሚረን። ድሕሪ ናይ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ቀጻሊ ርክባት፡ መግቢ ሰሪሐን ኣብ ፈቐዶ ፌስቲቫላት እናሸጣ ገዛእ ርእሰን ክኽእላ ወሰና። በዚ ድማ ካብ ኣብ ገዛ ምዕጻው እናወጻ ምስቲ ሕብረተሰብ ገዛእ ርእሰን ከፋልጣ ዕድል ረኸባ። በቲ ዝገበራኦ ንጥፈታት ክሳብ $27,000 ከዋህልላ ብምኽኣለን በዚ ተተባቢዐን ቤት መግቢ ክኸፍታ ተሰማምዓ። ካብ መንግስቲ ኲንስላንድ ፋይናንሲያዊ ሓገዝ ተጌሩለን ድማ  ኣብ 2006 ሙዑዝ ዝበሃል ቤት መግቢ ከውጽኣ ወሰና።  ኣብ 2007/8 ብዕሊ ረስቶራንት ከፊታ።


Feature
Source: Muooz
“እዚ ብምግባርና እተን ደቂ ኣንስትዮ ናይ ስራሕ ዕድል ክረኽባ፡ ኣብ ናይ ምትእንጋድ (ሆስፒታሊቲ) ን ብዝተፈላለየ ኣገባባት ብምስራሕ እተን ደቂ ኣንስትዮ ርእሰ ምትእምማን ፈጢረን። በዚ ድማ ልዕሊ 240 ደቂ ኣንስትዮ መብዛሕተአን ኤርትራዊያን ኣብ 14 ዓመታት ኣብዚ ስራሕ ናይ ምርካብ ዕድል ረኺበን። ተማሂረን ድማ 98% ናብቲ ቀንዲ ሕብረተሰብ ብዝተፈላለዩ ሞያ ተዋፊረን ይሰርሓ ኣለዋ።” ክትብል ናይቲ ኢንተርፕራይዝ ኣማሓዳሪት ወ/ሮ ሳባ ኣብርሃም ን SBS ትግርኛ ገሊጻ።

ሙዑዝ ረስቶራንት ኣብ ከተማ ብርስቤን ናይ ሓበሻ መግቢ ብምቕራብ ፍሉጥ ዝኾነን ካብዝተፈላለዩ ሃገራት ዝመጹ በጻሕቲ ዝጥቀምሉ ቤት መግቢ እዩ። ኣብ ምሩካ ዝበሃል ከባቢ ንሓያለ ዓመታት ስርሑ ከሰላስል ድሕሪ ምጽናሕ ኣብዚ ቅሩብ ዓመታት ናብ ዉሽጢ ከተማ ብምቕራብ ኣብ ወስት ኢንድ ኣብዝበሃል ከባቢ ብምቕራብ ስርሑ እናሳለጠ ኣብዚ ዓመት ለበዳ ኮቪድ-19 ከም ኩሉ ቢዝነሳት በዚ ለበዳ ክጽሎ ጀሚሩ። መንግስቲ ኣውስትራሊያ ብዝህቦ ዘሎ ደገፍ (ጆብ ኪፐር) ሰራሕተኛታቱ እናኸፈለ እቲ ቤት ምግቡ ይሰርሕ እኳ እንተሎ፡ እቲ ደገፍ ደው ምስበለ ቁጠባዊ ህውየት ንምፍጣርን ቀጻልነት ዘለዎ ቢዝነስ ንምግባርን ምዑዝ ሓደ መደብ ኣብዚ ቅሩብ ኣውጺኡ።
“ኮቪድ -19 መዓስ ጠጠው ይብል ንፈልጦ የለን፡ ካልኣይ ዙርያ ምስመጸ፡ እንደገና ጉድኣት ጌሩ እዩ። ስለዚ ነዚ ኹነታት ኣብ ግምት ብምእታው ንሕና ነቶም ዓማዊልና፡ ነዚ ኩነታትዚ ዝገጥም ናይ ዕዳጋ ቅርበት ኣድላይነት ተሰሚዑና። ሰባት መጺኦም ፒክ ኣፕ ክገብርዎ ወይ ብኡበር ወይ ባዕልና ደሊቨር ክንገብረሎም እሞ ኣብ ገዛኻ ክይንካ ናይ ካልእ ሕብረተሰብ ባህላዊ መግቢ ትጥቀም ትገብረሎም፡ ናይ ካልቹራል ተመኩሮ ኣብ ገዛኻ ኮይንካ ነቲ መምርሒታት ተኸቲልካ ክትሰርሕ ዘግብረካ መደብ ጀሚሩ። እዚ መደብ፡ በቲ ሓደ ሸነኽ ሰራሕተኛታት ስራሕ ተፈጢሩለን ስርሀን ክሰርሓ፡ ኣብቲ ኢኮኖሚውን ተራኻ ትገብር ኣለኻ ነቲ ካስተመር ከኣ ኣብ ረስቶራንት መጺኡ ክገብሮ ዘይክእል እንተኾይኑ ኣብ ገዛኡ ኮይኑ ተጠቃሚ ይከውን።” ክትብል ወ/ሮ ሳባ ብዛዕባ እቲ ሓዲሽ መደብ ገሊጻ።

እቲ ሓዲሽ ናይ ኣሰራርሓ ኣገባብ ቅድሚ ሕጂ ዘይነበረን፡ ነቲ ኣብ ቤት መግቢ ዝፈሪ ጸብሒታት ብጠራሙዝ ዓሺግካ ሰባት ኣብ ገዛኦም ከምዝውድእዎ ዘግብር ምዃኑ ወ/ሮ ሳባ እቲ ኣሰራርሓ ብኸምዚ ዝስዕብ ተብርሆ።

“እቲ ረስቶራንት ነፍሱ ኪኢሉ ክኸይድ እንተኾይኑ  ሙዑዝ ኢኮኖሚክ ረካቨሪ ኢኒሼቲቭ (ፕሮግራም ቁጠባዊ ሕውየት) ኣተኣታቲና፣ እቲ ዝሓሰብናዮ ከኣ፡ ሓሙሽተ ዝኸውን መግቢታት ንዝግኒ ዝስርሖ ስልሲ ኣፍሪና ተዓሺጉ፡ ብፍረሽ እዩ ዝስራሕ፡ ብግቡእ ተዓሺጉ፡ ዓማዊልና ገዚኦም ኣብ ገዛኦም ኮይኖም ስጋ ገዚኦም ኣብ 5-10 ደቂቅ ይሰርሕዎ ማለት እዩ። ከምኡ’ውን ናይ ብልዖት ዘይኮነ ናይ ጾም ዝኾነ ከም ብርስን፡ ሽሮ፡ ዝኾነ ኮታስ ናይ ጥረምረታትን ሓምሊን ክስርሖ ዝኸኣል በበይኑ ዓይነት ስልሲ ሰሪሕና ነዳልዎ። ነዚ ሰብ ገዚኡ  ኣብ ገዛኡ ይሰርሖ። ከምኡ’ውን ኣውስትራሊያ ጣፍ ምፍራይ ጀሚራ ስለዘላ፡ ጣፍ ገዚእና’ውን፡ ሰሪሕና ንሰብ ወይ ብፍረሽ ወይ ዋላ ኣብ ፍሪጅ ኣዝሒልካ ክሽየጥ ስለዝከኣል ንጅምሮ ኣለና። ካልእ ጠስሚ፡ ኩሉ ቀመማት ጌርና ፍረሽ (ሓድሽ) ጠስሚ ጨው ዘይብሉ ኬሚካል ዘይብሉ በርበረ ድልኽ ኩሉ ቀመማት ጌርና ከምቲ ናይ ዓድና ጌርና ዓሺግና  ምሻጥ ጀሚርና ኣለና።”
Feature
Source: Muooz
እቲ ብን ኡስ መጠን ጀሚሩ ዘሎ ስራሕ ካብ ዝግቦኦም ሰብ መዚ ፍቓድ ተዋሂብዎ፡ ናይ ህዝቢ ጥዕና ኣብ ግምት ኣእቲኻ ይግበር ምህላዉ ወ/ሮ ሳባ ጠቒሳ፡ ኣብ ቀጻሊ ግና እቲ ስራሕ ከምዝዓቢን እቲ ትካል ሰብ ሞያ ከምዝቖጽርን ኣብሪሃ።

እቲ ሓድሽ ኣሰራርሕ ብተጠቀምቲ ከመይ ተቐባልነት ከምዝረኸብን ዓማዊሎም ከመይ ዝበሉ ምዃኖም ክትገልጽ’ከላ፡

“እቶም ዓማዊልና ብመሰረቱ እቶም ዘለዉ ዓማዊልና እዮም። እቶም ናብ ሙዑዝ መጺኦም ዝምገቡ ዝነበሩ እዮም። ካልኦት’ውን ኣለዉና። መጀመሪያ በቶም ዓማዊልና ፈቲናዮ፡ እዚ ናይ ቢዝነስ ዕድል ክፈጥር ይኽእል’ዩ ኢሎም ርእይቶ ምስሃቡና፡ ኣብ ናይ ኮሙኒቲ ማርኬት ኬድና ኣብ ዘይፈልጡና ቦታ ኬድና፡ ክንሸጦ ምስጀመርና፡ ጽቡቕ ተቐባልነት ረኺቡ። ናታቶም ርእይቶ ምስወሰድና፡ ኣብ 3 ዝተፈላለዩ  ካብ ብርስቤን ውጽእ ዝበለ ዕዳጋታት ፈቲናዮ ጽቡቕ ተቐባልነት ረኺቡ።”

 

 በዚ ዝተኣታተወ ሓድሽ ኣሰራርሓ፡ 4 ተወሰኽቲ ናይ ስራሕ ዕድል ኣብርእሲ ምፍጣሩ፡ ኣብ ነዊሕ እዋን እቲ ናይ ዕዳጋ ዓቕሚ ከምዝሰፍሕን ክንዮ ብርስቤን ናብ ካልኦት ከተማታትን ዋላ ሃገራትን ብ ኦንላይን ክብጻሕ ከምዝከኣል ብኣጋኡ ከምዝርኣያ ወ/ሮ ሳባ ገሊጻ።

“እቲ ናይ ርሑቕ ዕላማና ዓቢ እዩ። ሕጂ በታ ዘላትና ዓቕሚ፡ በተን ስደተኛታት ደቂ ኣንስትዮ ነዚ ፈተና ጀሚርናዮ ኣለና። ብዓቢ ስኬል ምስራሕ ናይ መጻኢ ዕላማና ኮይኑ ገንዘብን ኪኢላታትን የድልዩኻ እዮም። ተዓሺጉ ናብ ርሑቕ ከባቢታት ንኽትሰዶ፡ ብኦንላይን ብደረጃ ኣውስትራሊያን ብ ደረጃ ዓለምንውን ክከይድ ይኽእል እዩ። ነዚ ምስናይ ኲንስላንድ መንግስቲ ኣብ ምዝርራብ ኣለና፡ ብከመይ ሓገዝ ረኺብና ብዝዓበየን ዝጸፈፈን መልክዕ ክንገብሮ ከምንኽእል ንዘራረብ ኢና ዘለና።”

 


Share
Published 11 October 2020 5:37pm

Share this with family and friends